Illustration av man som sitter vid dator och tittar på covidbevis.se

ምስክርነት ኮቪድ (covidbevis)ንመገሻታት ከቃልል ኢዩ

ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዲጂታላዊ ናይ ኮቪድ ምስክር (ኣቐዲሙ ሓምላይ ምስክር ዚብሃል ዝነበረ) ኣንጻር ኮቪድ-19 ከም እተኸተብካ ዚምስክር ዋጋ ዘይክፈሎ ዚመጽእ ዘሎ ኢ-ሸንስት (e-tjänst) ኢዩ። ናይ ኮቪድ ምስክር፡ ሓምለ 1 ኢዩ ዚጅምር። እንተ ደንጎየ ኣብ መጀመርታ ነሓሰ ድማ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ነጋቲቭን ከምኡውን ናይ ከም ዝሓወኻ ዚገልጽ ምስክርን ብመገዲ ኢ-ሸንስተን ኮቪድበቪስ ኪውሰድ ይከኣል ኢዩ።

ዲጂታላዊ ምስክርካ ካብ ሓምለ 1 ንምርካብ ዚህልዉ ኣርባዕተ ምዕራፋት

ኣብ ሞባይልካ፡ ኮምፕዩተርካ ወይ ታብለትካ፡ ዲጂታላዊ ምስክር ቅድሚ ምህላውካ ዚሰዓቡ እተፈላለዩ ምዕራፋት ወይ ደረጃታት ኣለዉ።

  • ተኸተብ። ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት እቲ ክታበት ናብቲ ሃገራዊ መዝገብ ክታበት ከም ጸብጻብ ኪሓልፍ ኢዩ።
  • ብመገዲ ኢ-ለጊቲማኹን ኣብ www.covidbevis.se  ሎግ ግበር (1 ሓምለ ይኽፈት).
  • ነቲ ናይ ክታበት ምስክርካ ኣውጽኣዮ፡ ሕተሞ ወይ ዓቅቦ። እቲ ምስክርነት ብተክኒካዊ መገዲ ኣብቲ ዲጂታላዊ መኽዘን ደብዳበታትካ (digitala brevlåda) እውን ኪለኣኽ ይኽእል ኢዩ፡ ከምኡ እንደ ደኣ ኣሎካ ኮይኑ።
  • ንኺዝውተር ድሉው። ኣብቲ ናይ መገሻኻ መድረሻ እንታይ መምርሒ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ኣይትረስዕ።

ምስ ተኸተብካ፡ ነቲ ናይ ኮቪድ ምስክርካ ንምውሳድ መዓልታት ይወስድ ኢዩ (እንተ በዝሐ ሸውዓተ መዓልታት)። ምኽንያቱ ድማ እቲ ነቲ ክታበት ዝሃበ ሰብ ነቲ ሓበሬታ ኣብቲ ሃገራዊ ናይ ክታበት ደብተር ክሳዕ ዘእትዎ ግዜ ይወስድ ኢዩ። 

Click on the gear icon to select your language

 

ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ንዚካየዱ መገሻታት የቃልል

ዲጂታላዊ ምስክርነት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ኣብ ግዜ ለበዳ ዚግበር መገሻታት የቃልሎ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብተመሳሳሊ መገዲ ኢዩ ተቐዪሱ ዘሎ።

በቲ ዲጂታላዊ ናይ ኮቪድ ምስክር፡ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ከም ዝገበርካ ብቐሊሉ ከተርኢ ትኽእል፥

  • ኣንጻር ኮቪድ-19 ከም እተኸተብካ
  • ነጋቲቭ ከም እተበሃልካ፡ ወይ ድማ
  • ካብ ኮቪድ-19 ከም ዝሓወኻ (ማለት፡ መርመራኻ ፖዚቲቭ ከም ዝነበረ፡ እዚ ናይ ጸረ-ኣካል መርመራ ኣይኮነን)

እታ እትገሻ ዘሎኻ ሃገር፡ ኣብኡ ምስ ኣቶኻ እንታይ መምርሒ ክትክተል ከም ዘሎካ እትሕብረካ ንሳ ባዕላ ምዃና ኣይትረስዕ። ስለዚ ናብቲ ሃገር ንምጋሽ ኩሉ ኣማሊእካ ምዃንካ ንምርግጋጽ ናትካ ሓላፍነት ኢዩ።

 

ኢ-በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና (E-hälsomyndigheten) ብዛዕባ ኢ-ሸንስተን ምስክር ኮቪድ ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ምስክርነት/ሰርቲፊከት ይህብ። እቲ በዓልመዚ፡ ሓምለ 1 ኢ-ሸንስተን ምስክር ኮቪድ ኪኸፍት መደብ ኣለዎ። ኢ-ሸንስተን ኣብቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንዲጂታላዊ ምስክር ኮቪድ ዚምልከት መምርሒ እተመርኮሰ ኢዩ።

ከም መጀመርታ፡ ኣብቲ ኢ-ሸንስተን ምስክር ኮቪድ፡ ናይቲ ኣንጻር ኮቪድ-19 እተገብረ ክታበት ምስክርነት ጥራይ ኢዩ ኣትዩ ዘሎ። ድሕሪ ክታበትካ ኣብ ውሽጢ ሽውዓተ መዓልታት፡ እቲ ጸብጻብ ናብ ሃገራዊ ናይ ክታበት ደብተር ኪለኣኽ ኢዩ፡ ሽዑ ድማ ነቲ ናይ ኮቪድ ምስክርካ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኢ-ሸንስተን ሎግ ንምግባር ናይ ሽወደን ኢ-ለጊቲማኹን ኪህልወካ የድሊ።

 

እቶም ኢ-ለጊቲማኹን (e-legitimation) ዘይብሎም ወይ ድማ ከዘውትሩ ዘይክእሉ ግን ድማ ናይ ክታበት ምስክር ዚደልዩ፡ ኣብ ክንድኡ እቲ ናይ ኮቪድ ምስክር ክታበት ናብቲ ናይ ህዝባዊ ምዝገባ ኣድራሻኦም ኪለኣኸሎም ኢዩ። ናይ ፍቓደኛነት ፎርም ካብ ሓምለ 1 ጀሚሩ ኣብቲ ኢ-በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና (E-hälsomyndigheten) መርበብ ሓበሬታ ወይ ወብሳይት ኪርከብ ይከኣል ኢዩ።

ገለ ሃገራት ሓደ ዓቐን ጥራይ ምስ ተወጋእካ ክትኣቱ ይፈቕዳልካ ኢየን። ነቶም ናብ እተፈላለያ ሃገራት ዚግበሩ መገሻታት ዚምልከት እንታይ መምርሒ ከም ዘገልግል ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እተሓደሰ ሓበሬታ ወጺኡ ኣሎ። ናብቲ ሓበሬታ ዚወስድ ሊንክ ወይ መላግቦ ኣብ ታሕቲ ክትረክብ ትኽእል።

 

እቲ ምስክር ክታበት እንታይ ዝሓዘ ኢዩ?

እቲ ናይ ክታበትካ ምስክር ነዚ ዚስዕብ ይሕዝ፥

  • ስምካን እተወለድካሉ ዕለትን እተዋህበካ ዕለትን
  • ንኽታበትካ ዚምልከት ሓበሬታን መኣስ ከም እተወጋእካዮን
  • ፍሉይ ናይ ኣይ.ዲ ሰርቲፊከት (certifikat-id)

እቲ ንክታበት ዚምልከት ሓበሬታ ናብቲ ሃገራዊ ናይ ክታበት መዝገብ (NVR) ኪለኣኽ ኢዩ፡ በቲ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ድማ ኪዕቀብ ኢዩ።

ምስ ተኸተብካ፡ ነቲ ናይ ኮቪድ ምስክርካ ንምውሳድ መዓልታት (እንተ በዝሐ ሸውዓተ መዓልታት) ከም ዚወስድ ሕሰብ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ነቲ ክታበት ዝሃበ ሰብ ነቲ ሓበሬታ ኣብቲ ሃገራዊ ናይ ክታበት ደብተር ክሳዕ ዘእትዎ ግዜ ይወስድ ኢዩ። 

ቀጻሊ ምዕባለ ምስክር ኮቪድ

ኣብቲ ቀዳማይ ክፍሊ ምስክር ኮቪድ፡ ነቲ ንስኻ ኣንጻር ኮቪድ-19 ከም እተኸተብካ ዚገልጽ ምስክር ጥራይ ኢዩ ዚጥርነፍ። ኢ-በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና (E-hälsomyndigheten) ነቲ ናይ ነጋቲቭ ናይ ኮቪድ-19 መርመራን፡ ናይ ምሕዋይ ምስክርን ብሓደ ንምጥርናፍ ይሰርሕ ኣሎ።

 

ሕቶታትን መልስታትን

ሕቶታትን መልስታትን